መንገዲ ፍልጠት ምብራህ
ኣብ ድኳን መጽሓፍቲ ሰነድ፡ ነፍሲ ወከፍ ገጽ ሓድሽ ናይ ተኽእሎታት ዓለም ይኸፍት። ዛንታታትን ጥበብን ፍልጠትን ንቐርበኩም። ካብ ግዜ ዘይስዕሮ ክላሲክስ ክሳብ ዘመናዊ ድምጽታት፡ ንፍልጠት ንምድላይ ነዳዲ ንህቦ። ንሓለምቲ፡ ተማሃሮን ለውጢ ዘምጽኡን ቦታ። ንቕድሚት ንጉዕዞኻ ዘነቓቕሑ መጻሕፍቲ ርኸብ።
ቤተ መፃሕፍቲ ሰነድ
ዝቕጽል ዝፈትውዎ ንባብ ይጽበየኩም ኣሎ።
ኣብ መላእ ቅዲታት ዝተዳለወ ምርጫ መጻሕፍቲ ርኸብ - ካብ ግዜ ዘይስዕሮም ክላሲካውያንን ኣነቓቓሒ ታሪኽ ህይወትን ክሳብ ዘመናውያን ብሉጻት መሸጥትን ግብራዊ መምርሕታትን። ፍልጠት፡ መዘናግዒ፡ ወይ ድርኺት ትደልዩ ትኹኑ፡ እኽብካብና ንነፍሲ ወከፍ ኣንባቢ ዝኸውን ነገር ኣለዎ። ሎሚ ድህሰሱ፡ ዳህሰሱ፡ ዝቕጽል ዝፈትውዎ መጽሓፍ ድማ ረኸቡ።
No products found
ምስክርነት
ብብዙሓት ዝእመን። ብውጽኢት ዝተረጋገፀ። ሰባት እንታይ ይብሉ ከምዘለዉ ይርኣዩ።
ሙሉወርቅ ኪዳነማርያም
መምህር ፣ ፀሓፊ
ቺቼሮ ዝተበሃለ ፈላስፋ “መጽሓፍ ዘይብሉ ገዛ ነብሲ ዘይብሉ ኣካል(ስጋ) ኢሉ ነይሩ። ብዙሕ ዘየንብብ ኣብ ምሕሳብ፣ ምዝራብን ምጽሓፍን ይጽገም እዩ።"
ጊዜና ጊዜ የብሉን። ሰባት፥ ህይወት ጋሕጢጣቶም ናብ ዝምንጠሉዎ ስኢኖም ኣብ ሃረባ ሃረባ ኣለዉ። ኣብ ክሊ እዙይ ጊዜ ዝቝጥብ ኣሰራርሓ እንትፍጠር “ኣበጀኻ!” የብል። ሰነድ መፃሕፍቲ ብኦንላይን ኣዚዝና ናብ ዘለናዮ ኣምፂኡ እንተረክበና ክነንየው ጊዜና ይቝጠብ፤ ክነንየው ከዓ ኣንቢብና ንዘበንና ዝምጥን ፍልጠት ንዓትር። ሰነድ መፃሕፍቲ ምስ ዘበን ክንከይድ ዘኽእለና ኣሰራርሓ ስለዘተኣታተኹሙልና ነመስግነኩም።
ዳንኤል ተኽሉ ረዳ (ዶር.)
ዋና ዳይሬክተር ኣካዳሚ ቋንቋታት ትግራይ
ብርሃነ ኣቻሜ
መምህር
ንሕና፣ ካብ ፍልጠት ክንሃድም፣ ፍልጠት ከዓ ናብ ኣፍደገና መፂኣ ኣላ። ብዘይ ንባባዊ ፍልጠት ፣ ለውጢ የለን ። ስለዝኾነ ፣ ደስታ ንፍልጠት ብኢዳ ሒዙ ናብ በሪ ገዛና ኣምፂኡልና ኣሎ እሞ ንቀበሎ። እንኳዕ'ባ መፃሕፍቲ ገገዛና ዝመፀሉ መንገዲ ተማህዘ።
ኣብ ምዕቡላት ህዝቢ ዝንበብ ክትዕድግ ደሊኻ ፎቖዶ መደበራት መፃሕፍቲ ዓሰስ ምባል ካብ ዝተርፍ ፀኒሑ እዩ። ዘድልዮም ርእሲ መፅሓፍ ሪኦም ብመሰረት ምርጨኦም እንተስ ናብ ገዝኦም ወይ ናብ ካሊእ ዘለውሉ ቦታ ይቐርበሎም። ምስ ቴክኖሎጂ ዘበንና ኣብ ምሕምባብ ዝርከብ መንፈሳዊ ቅንኢ ዝሓደሮ ሰነድ መጻሕፍቲ ድማ ዝደለናዮ መፅሓፍ “ከም በረድ ጠብ ከብለልኩም እየ” ይብለና ኣሎ። ኣሰይይይ ንበል!
ፍቓዱ ገብረእግዚኣብሄር
መምህር
